መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ኣርሜንያ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብኽራይ የምጽእ

Radio Erena: 06 September 2016

Eriline

ብሰንኪ ናይ ነፈርቲ ጸገም ተደጋጋሚ ምድንጓየት ከጋጥሞ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ኣርሜንያ ኤየር ባስ ኤ 320 ዝዓይነታ ነፋሪት ብኽራይ የምጽእ ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ ኣቭየሽን ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ በብእዋኑ ከጋጥሞ ብሰንኪ ዝጸንሐ ክሳራታትን ቴኒካዊ ጸገማት ነፈርትን ተደጋጋሚ እዋን ጠቕሊሉ ስርሑ ደው ከብል ከምዝተገደደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብ 2014 ንደሓር ከኣ ካብ ኢስት ኣየርን መንገዲ ኣየር ዩክሬይንን ብኽራይ ብዘምጽአን ቦይንግን ኣየርባስን ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ካብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት እዚ ኣትሒዙ’ውን እቲ መንገዲ ኣየር ብዘጋጠሞ ጸገማት፣ ሓያሎ ተጓዓዝቲ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ንመዓልታት ክደናጎዩ ጸኒሖም’ዮም።

 

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ነዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዘጋጠመ ገያሾ ናይ መዓልታት ናይ ምድንጓይ ጸገማት ወግዓዊ መብርሂ እኳ እንተዘትሃበሉ፣ ካብ ግብጺ ዝተመሓለለፈ ዜና ከምዝሕብሮ ግና ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ንመዓልታት ተደናግዮም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ገያሻ ብመተካእታ ብመንገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ካርቱም ኣስመራን ከምዝተፋነዉ’ዩ ኣመልኪቱ።

ኣብ ግብጺ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ዘጋጠሞ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዘለዎ ውህሉል ዕዳ ክሳብ ዝኸፍል ካብን ናብን ኣስመራ – ካይሮ ዘካይዶ ዝነብረ በረራታት ንግዜኡ ደው ከብል ምዃኑ’ውን ናይ ክይሮ ምንጭታት ምትቓሶም ኣይርሳዕን።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ኣርሜንያ ኤየር ባስ ኤ 320 ዝዓይነታ ሳልሳይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብኽራይ ምውናኑ፣ ከጋጥሞ ንዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ ምድንጋያት ኣብ ርእሲ ምፍታሕ ተወሰኽቲ መስመራት ንምጅማር’ውን ክሕግዞ ከምዝኽእል ተስፋታት ይግበር።

ብሰንኪ ውሕስነትን ድሕነት ተጓዓዛትን ካብ ክሊ ኣየር ኤውሮጳ ተኣጊዱ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ መስመሩ ዳግም ናብ ኤውሮጳ ንምዝርጋሕ’ውን ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ይንገር።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ እዋን’ዚ ካብን ናብን ኣስመራን ካርቱም፣ ካይሮ፣ ጀዳ፣ ዱባይን ሚላኖን ስሩዕ በረራታት ከምዘለዎ’ዩ ዝሕብር።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0