መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ካብ ቀንዲ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ካብ ቀንዲ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 22 September 2015

Turkish

መንገዲ ኣየር ቱርኪ ሓደ ካብ ቀንዲ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ይኸውን ምህላዉ፣ ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ ወቒሶም።

እቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ሃገራት ዝሽፍን መንገዲ ኣየር ቱርኪ ካብ ኤርትራ፣ ሶማል፣ ኮንጎ፣ ካሜሮንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ብመንገዲ ኣየር ቱርኪ ብቀሊሉ ይመጹ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።

ቱርኪ ዘለዋ ናይ ቪዛ ፖሊሲን መንገዲ ኣየር ቱርክን ነቶም ብነፈርቲ ብመንገድኢኢ ቱርኪን ሃገራት ባልካንን ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ዘለዉ ስደተኛታት ከምዝበዝሕ ጌርዎ ምህላዉ’ውን ጸብጻብ ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ የመልክት።

 

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብነፈርቲ ናይ ዝመጹ ልዕሊ 4 ሽሕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዶባት፣ እቲ ዝበዝሐ ብመንገዲ ኣየር ቱርኪ ዝተፈጸመ ምዃኑ’ዩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ፣ ቱርኪ ኣብ ኣተዓዳድላ ቪዛ ዘለዋ ከተጽንዕን እቲ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ድማ ጽኑዕ ምቁጽጻር ገየሽቲ ክገብርን ጸዊዑ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን 45 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይድ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0