መንበሪ ኣባይቲ ንኽህነጸሎም ዝተመዝገቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ዝተረፎም ገንዘብ ብመንገዲ ባንክ ሩስያ ክኸፍሉ ጻውዒት ቀሪብሎም

Radio Erena: 21 October 2016

Housing

ብኤሮን ዶላርን ጥራይ ኣብ ዝተሸጠ መሬት፣ ኣብ ከባቢ ሓሊበት፡ ሰምበልን ስፐይስን መንበሪ ኣባይቲ ንኽህነጸሎም ዝተመዝገቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ እንተ ወሓደ ፍርቂ ናይቲ ዝተተመነ ዋጋ ክሳብ 18 ሕዳር ብመንገዲ ባንክ ሩስያ ክኸፍልዎ ጻውዒት ቀሪቡ።

እቲ መንግስቲ፣ ብስም ናይ ህግደፍ ባንክ ኣባይቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጻውዒት፣ እቶም ኣብ ቀዳምይ እብረ 25 ሚእታዊት ዝኸፈሉ፣ ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ ዘሎ ከኣ ነቲ ዝተረፈ 25 ሚእታዊት ክኸፍልዎ ሓቲቱ ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ ሕጂ ብቦንድን ካልእ ምኽንያታትን ንህዝቢ ኣብ ዝዓደሎ መሬት፣ መንበሪ ኣባይቲ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ገዛ ከይተረከቡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 እቲ መንግስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዘውጽኦ ካልእ ምውዕዋዕ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተሰሪሑ ክዛዘም ምዃኑ ንዝገለጾ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ ብኤውሮ ጥራይ ከምዝሽየጥ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ከኣ፣ ብመንገዲ’ቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ባንክ ጋዝፕሮም ጥራይ ከምዝፍጸም ኣብ ኤውሮጳን ይኹኑ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዓደግቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንበሪ ቤት ዝዓደጉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፣ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ሻቕሎት ፈጢርሎም ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነብር ህዝቢ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከይፈትሐ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ደገፍቱ ምእንቲ ፖለቲካዊ መኽሰብን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብን ብዶላርን ኤውሮን መሬትን መንበሪ ኣባይትን ይሸጠሎም ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

=================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0