መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጽዓነት ጃልባ፣ ኣብ ገማግም የመን ብምጥሓላ 10ታት ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 15 June 2021

መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝዓጸነት ጃልባ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝጠሓለት ስበ ስልጣን የመን ገሊጾም።

እቶም ስበ ስልጣን፣ ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣታ ጃልባ ብ14 ሰነ ‘ያ ጥሒላ።

የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናይ ኣስታት 25 ሰባት ሬሳ ክረኽቡ እንከለዉ፣ ናይቶም ኣስታት 175 ሰባት ሃለዋት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እታ ጃልባ፣ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ከምዝጠሓለት ሓበሬታ ዝበጽሖ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ነቲ ፍጻሜ የጻርዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ’ውን መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ 44 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝብገሱ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ናብ የመን ብምእታው፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ንምስጋር’ዮም ዝሕልኑ።

እዚ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዝግለጽ ዘሎ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ንዘይብሎ 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ኣብ እትለምልሰሉ ዘላ እዋን’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0