መበል 30 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛዚሙ

መበል 30 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛዚሙ

Radio Erena: 30 January 2018

Au Summit

ካብ 22 ጥሪ ኣትሒዙ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ካልኦት ወከልቲን ዝጀመረ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ብ28ን 29 ጥሪ ብዘካየድዎ ኣኼባ’ዩ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ኣብ ጉዳያት ብልሽውና፣ ንግድን ወፍርን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ዝዘተየ መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን መበል 30 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት፣ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመራሕተን ክውከላ እንከለዋ፣ ሒደት ሃገራት ከኣ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢአን ኣቢለን ተሳቲፈን።

ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራ ድማ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣቢላ ኣብዚ ዋዕላ ከምዝተሳተፈት ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

55 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከም ናይ ወትሩ ነዛ ኣህጉር ረሚሱ ኣብ ዘሎ ጉዳያት ምልኪ፣ ብልሽውና፣ ኵናት ሓድሕድን ተሪር መርገጺታትን ውሳኔን ከየሕለፈ መበል 30 ዋዕልኡ ዛዚሙ።

መበል 30 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣቦ መንበሩ ንዝነበረ ፕረዚደንት ጊኒ፣ ኣልፋ ኮንደ ብፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ ብምትካእ’ዩ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ዋዕላ፣ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተሳቲፎም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0