መስመር ባቡር ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት 26 ሚልዮን ብር ከሲሩ

Radio Erena: 29 May 2022.

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ዘመላልስ መስመር መንገዲ ባቡር፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ 26 ሚልዮን ብር ክሳራ ከምዘጋጠሞ፤ ሰበስልጣን’ቲ ትካል ገሊጾም።

እቲ ብኤለክትሪክ ዝሰርሕ መስመር ባቡር፤ እዚ ናይ 26 ሚልዮን ብር ክሳራ ዘጋጠሞ፤ ብዝህቦ ኣገልግሎት ጉድለት ዘይኮነ፤ ንብረቱ ተተሰሪቑ ይሽየጥ ምህላዉ እዩ ተሓቢሩ።

ብመሰረት በዓል መዚ ኤለክትሪክ’ታ ሃገር ዘውጸኦ መግለጺ፤ ብውሑዱ 16 ሽሕ ሜትሮ ዝንውሓቱ ገመዳት ኤለክትሪክን ካልእ ትሕተ ቅርጽን ተሰሪቑ ኣሎ።

እቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳገነነ ከምዝመጽእ ዘሎ ዝንገር ስርቂ ንብረት መስመራት ባቡር፤ ንኣገልግሎት መጎዓዝያ ብሕሱም ጸልዩዎ ምህላዉ፤ ሰበስልጣን’ቲ ትካል ገሊጾም።

እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 37 ግዜ ከምዝተሰርቀ ዝገልጽ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ተወሳኺ ሓለዋ ኣዋፊሩ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት በዓል መዚ ኤለክትሪክ ዝግበር ስርቂ ክገግኦ ከምዘይከኣለ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0