መሰጋገሪ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝምድናኡ ከሐይል ከምዝደሊ ገሊጹ

Radio Erena: 21 June 2022

መሰጋገሪ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝምድናኡ ከሐይል ከምዝደልይ፣ ጀነራል ዓንደልፈታሕ ኣልቡርሃን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ነዚ ምግላጹ፣ ኣገልግሎት ዜና -ሱና ሓቢሩ።

ንሱ፣ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ታሪኻዊ ሰረት ዘለዎን ዓሙቝን ምዃኑ ብምምልካት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሱዳን መሰጋገሪ ዘርእዮ ናይ ደገፍ መርገጺ ከምዝነኣደ፣ እቲ ኣገልግሎት ዜና ንምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዳፋላ ኣል ሓጅ ዓሊ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ወኪል ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ክራኸብ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ንሓሙሻይ ግዜ’ዩ።

ኣብቲ ሰለስተ እዋን ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ክልተ እዋን ድማ ብኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፣ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ርክባት፣ እቶም ልኡኻት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ምሽምጋል ድሌት ከምዘለዎ ዝገልጽ እማመታት ዝሓዘ ደብዳቤታት ከምዝቐረቡ ብወገን ሱዳን ይጥቐስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0