መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሕን ጋዜጠኛታት ክኣትዉ ክፈቅድን ጸዊዖም

Radio Erena: 04 February 2021

መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሕን ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ጸብጻባት ንምቕራብ ክኣቱ ክፍቀደሎምን ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ቻንስለር ጀርመን ኣንጀላ ማርከልን በብወገኖም ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ’ዮም ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እዞም መራሕቲ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጻውዒት ዘቕረቡ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን፣ ፔካ ሃቪስቶ ዝመርሖ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ኣብ ዝቐራረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ፈረንሳ እትርከበን ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ትማሊ ዕጹው ዘተ ከምዘካየዳ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ንኢትዮጵያ መዲብዎ ዝነበረ ልዕሊ 80 ሚልዮን ኤውሮ ፊናንስያዊ ሓገዝ ከደስክሎ ምውሳኑ ይዝከር።

ብፍላይ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኸተሞ፣ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪን ምምዕባል ሓይሊ ኣየርን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ውዕላት፣ ንኸደስክል ወይ ድማ ክስርዝ ብኣባላት ባይቶ ጸቕጢ ክግበረሉ ከምዝኽእል ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይእምቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Azi ad tegaru. Sdetena eritrawityen zgber zelo gfa def keb mulue hakemnan hagezsn kea krekab alewem serawit eritra kea keb tgray kwexu alewem