መራሕቲ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ዘተ ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 13 June 2020

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን፣ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ጽባሕ ሰንበት 14 ሰነ ኣብ ጂቡቲ ክራኸቡ’ዮም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘተ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምድና ምስ ኤርትራን ብምትኳር ክዝትዩ ትጽቢት ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት ኣንፊቶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ተበግሶ፣ ክዕወት ከምዘይክኣለ ኣቐዲሙ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።

መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኸተምሉ ስሉሳዊ ዝምድና፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ከምዘይተጸንበሮ ይዝከር።

እቲ ዝካየድ ዘተ ክዕወት እንተኽኢሉ፣ ጂቡቲ ኣካል እቲ ብሰለስቲኤን ሃገራት ዝቖመ ዝምድና ራብዐይቲ ኮይና ክትጽንበሮ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን ንምቕርራብ ዝዓለመ ፍሉይ ዘተ ወዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክሳተፍ ዕድመ ከምዘቕረበሉ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ትዊተር ሓበሬትኡ ጠቒሱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Eritreans and jibuti did not need third party.