መራሕቲ ጂቡቲን ግብጽን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመይይጦም

Radio Erena: 08 Febraury 2022

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ገለ፣ ብ6 ለካቲት ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ጌርሉ።

‘ክቡር ሓው ፕረዚደንት እስማዒል ገለ፣ ናብ ካልኣይቲ ሃገርካ ግብጺ እንኳዕ ብሰላም መጻእካ።’ ብዝብል ቅጽል ዝተሰነየ መግለጺ ዘውጽአ መንግስቲ ግብጺ፣ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ዝግበሮ ርክብ፣ ኣብ ክልቲኣዊ ረብሓታት ክመያየጡ ምዃኑ ጠቒሱ።

መራሕቲ ግብጺን ጂቡቲን ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣል ኢቲሓድ ዝገብርዎ ምይይጥ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መንጎኦም ዝህሉ ስትራቴጃዊን ስለታውን ዝምድናታት ዘተኮረ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ግብጺ ኣሚተን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቶም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ዛጊት መፍትሒ ዘይተረኽበሉ ምውጣጥ ግብጽ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት’ውን ተዘራሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ዝምድና ግብጽን ጂቡቲን ናይ ፈለማ ዝኾነ ታሪኻዊ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

ምስ ኤርትራ ስልታዊ ዝምድና ዝጸንሓ ግብጺ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድንኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘዛዘወ፣ ግብጺ ብወገና ጠመታኣ ናብ ጂቡቲን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ኣተኵራ ትርከብ።
====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0