መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፣ ኣብ ኣስመራ ንኣስታት 8 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንዝርከቡ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም

መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፣ ኣብ ኣስመራ ንኣስታት 8 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንዝርከቡ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም

Radio Erena: 16 June 2015

AbuneAnt

ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ትኣልዮም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ ንመጀመርያ እዋኖም ካብ ግብጺ ምስ ዝተላእኩ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከምዝተራኸቡ መንበረ-ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሊጡ።

መንበረ-ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ መርበብ ሓበሬታ tewahdo.org ኣብ ዘስፈሮ ዜና፣ ሜትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዝመርሕዎ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፥ ምስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ከምዝተራኸቡ ብምርግጋጽ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ፥ ብኹነታት ጥዕናኦም ደሓን ከምዘለዉ’ውን ኣፍሊጡ።

 

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ን10 ዓመታት ከቢድ ዕንወት፥ ውግዘት፥ ማእሰርቲ፥ ምፍልላይን ሕጊ-ኣልቦነትን ነጊሱ ከምዝጸንሐ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ብተበግሶ ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ዝጀመረ ምግላፍ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፡ ሓድሽ ኵነታትን ኣንፈትን ከም ዝተፈጥረ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ፣ ንሳልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ 2007 ካብ መንፈሳዊ መርሒነቶም ብምእላይ ኣብ ክንድኦም ንኣቡአን ድዮስቆሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝሸመ ኣይርሳዕን።

ብመንግስቲ ኤርትራ ታሓርዮም ራብዓይ ፓትርያር ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቡነ ድዮስቖርስ’ውን ብሰንኪ ዘጋጠሞም ወቕዒ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ከፊላዊ ስንክልና ኣጋጢምዎም፣ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ሕክምና እኳ እንተተገብረሎም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ጥዕንኦ ክመሓየሽ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝጥቐስ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0