መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክሳተፉ ዕድመ ቀሪብሎም

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክሳተፉ ዕድመ ቀሪብሎም

Radio Erena: 07 May 2015

Alba

94.5 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሓላ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃንን ዞባዊ ውዳባትን ንኽሳተፉ ዕድመ ከምዝልኣኸሎም ምንጭታት ዜና ካብ ሱዳን ኣመልቶም።

ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽመሉ ዕለት ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳተፉ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

 

ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ቅድሚ ክልተ ቅነ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ 94.5 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ብምግላጽ’ዩ ዕድመ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ንምንዋሕ ን2 ሰነ 2015 ናይ ቃለ መሓላ ጽምብል ኣዳልዩ ዘሎ።

ኣብ ግብጺ ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ኻርቲ፣ ካብ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ከምዘብጽሐ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ሱዳን ድማ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብቲ ናይ ኣልበሽር ስነ ስርዓት ክሳተፍ ምዃኑ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ሚኒስተር ዓሊ ኻርቲ፣ ኣብ ከተማ ቤተመንግስቲ ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተላእከ ወግዓዊ ዕድመ ኣብጺሑ።

ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ ናብ ኢትዮጵያ ብምምራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ’ውን ተዘራሪቡ።

እቲ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተላእከ ወግዓዊ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምዘረከበ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ ንእግረ መንገዱ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ መንገዲ ባቡር ናይ ምስራሕን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ከምእተዘራረቡ’ውን ጠቒሰን።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0