መራሕቲ ኢጋድ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገለለ፣ ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ዘተኮረ ናይ ቪድዮ ዋዕላ ኣካይዶም

Radio Erena: 31 March 2020

መራሕቲ ሸውዓተ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ብምትኳር ናይ ቪድዮ ኮንፈረስን ኣካየዶም።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያንን ከምኡ ድማ ኣቦ መንበር ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብሰኑይ 30 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቪድዮ ዋዕላ፣ ነዚ ንዓለምና ገጢሙዋ ዘሎ ናይ ጥዕና ብድሆ፣ ሃገርት እዚ ዞባ ብሓባር ዝምክታሉ ስትራቴጂ ንምዝታይ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብዚ ንዞባና ኣገዳሲ ዝኾነ ዋዕላ ዘይተረኽበ እንኮ መራሒ፣ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ጥራይ’ዩ።

ኤርትራ ካብ 2007 ኣትሒዛ ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ስሒባ እኳ እንተነበረት፣ ኣብ 2011 ክትምለስ ዘካየደቶ ፈተነ’ውን መሰናኽል ከምዝገጠሞ’ዩ ተገሊጹ።

ይኹን’ምብረ፣ ኢጋድ ኣብ ዘካይዶ ሓደ ሓደ ዋዕላታት ባንዴራ ኤርትራ ዝሰቕል እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራ ዝውክል በዓል ስልጣን ግና ክሳተፍ ኣይርአን።

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ዋዕላታት ቦኺሩ፣ ኤርትራውያን ካብ ሓያሎ ዲፕሎማስያውን ነጥፈታት ዞባንን ዓለምናን ተገሊላ ምህላዋ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ኣመልኪቶም ንህዝቦም መልእኽታት ኣብ ዘመሓላለፍሉ ዘለዉ እዋን፣ ዛጊት ፕረዚደንት ኤርትራ ይኹን ሚኒስተር ጥዕና ናብ ህዝቢ ቀሪቦም መብርሂ ብዘይምሃቦም፣ “ኣረጋውያን ሰበ ስልጣናትና ካብ ኮረና ቫይረስ ሰጊኦም ቅድሚ ሰቦም ተወሺቦም” እናበለ፣ ህዝቢ  ይቕልድ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0