መራሕቲ ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ዘትዮም

Radio Erena: 28 March 2022

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ27 መጋቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከምዝተመያየጠ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ገጢሙዋ ዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ ነታ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት እትህባ ጂቡቲ’ውን ጸልዩዋ ከምዘሎ ‘ዩ ዝጥቐስ።

ጂቡቲ፣ ኵናት ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ካብ ዝጽውዓ ጎረባብቲ ሃገራት’ያ።

እታ ሃገር፣ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ዘተ ንምቅርራቦም፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝወሰዶ ተበግሶ ብምድጋፍ፣ ነቲ መስርሕ እተሳልጥ፣ ብኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ናብ እትምራሕ ጉጅለ ዝጽንበር ዲፕሎማሰኛ ምምዳባ ይዝከር።

ኣብ ገማግም ባሕራ፣ ወትሃደራዊ መዓስከራት ሓያሎ ሃገራት ኣአንጎዳ እትርከብ ጂቡቲ፣ ናብ ክልል ትግራይ ንዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ከም ቀንዲ መተሓላለፊት ኣፍደገ ወይ ኮሪደር ኮይና ከተገልግል ‘ውን ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽን ጠመተ ጌሮሙላ ኣለዉ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0