መራሕቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባና ዘትዮም

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባና ዘትዮም

Radio Erena: 22 May 2018

Ethiopia UAE

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባና ዘትዮም ኣገልግሎት ዜና ኢማራት ሓቢሩ።

ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘቕንዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብ19 ግንቦት ምስ ወራሲ ኣቡ ዳቢ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናን ሓፈሻዊ ኩነታት ዞባናን ዘተኮረ ዝርርብ ዝተኻየደ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ እተካይዶ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ምግላጻ ይዝከር።

እንተኾነ ድሒረን እዘን ሃገራት ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምውናኑ ናይ ሽርክና ስምምዕ ከቲመን ብሓባር ንምስራሕ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0