መራሕቲ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም

መራሕቲ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 30 October, 2014

Ly PM

ሱዳንን ሊብያን፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዘ ተሰማሚዐን።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱላ ኣል ቲኒ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

መንግስቲ ሊብያ ኣቐዲሙ፣ ሱዳን ንተቓወምቲ ሊብያ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ትልግስን ኣብ ሚስራታ ከኣ ንዕጡቓት ስልጠና ትህብን ኣላ እናበል ክወቕስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ካብ መንግስቲ ሱዳን ናብ ተቓወምቲ ሊብያ ዝተላእከ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ሱዳን ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ ከተማ ትሪፑሊ ከምዝዓለባ’ውን መንግስቲ ሊብያ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ ዝርርብ ክልተኦም መራሕቲ፣ ሱዳን ኣብ ሊብያ ንተቓወምቲ እትድግፈሉ ምኽንያት ከምዘየለን ብምጥቃስ፣ ኣብ ሊብያ ዝኾነ ወትሃደራዊ ምትእትታው ከምዘይትፍጽም ፕረዚደንት ኣልበሽር ንቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ኣረጋጊጽሉ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ሱዳን ንመስርሕ ሰላም ሊብያ ከምእትድግፍ ብምግላጽ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምህላዋ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ እዞም ትማሊ ሓያሎ ስምምዓት ዝኸተሙ መራሕቲ ሱዳንን ሊብያን ምትእምማን ከምዘየለ ፖለቲካውያን ተዓዘብቲ የመልክቱ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0