መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት የካዪዱ

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት የካዪዱ

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት የካዪዱ።

ካብ ከተማ ጁባ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ቀንዲ ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን፣ ነቲ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ድኹም ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ምዃኑ ይግለጽ።

ዑደት’ዞም መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ንምብጻሕ ፕረዚደንት ኬንያ ናብ ኣስመራ ተኸቲሉ ዝመጸ’ዩ። እቲ ርክብ ንዞባዊ ጉዳያትን ሓባራዊ ዝምድናን ዝዓለመ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተዋህቦን።

እዚ ፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ናብ ደቡብ ሱዳን ዘካዪዱዎ ዑደት፣ ኣቐዲሙ ኣብ መደብ ዝጸንሐ ብዘይምዃኑ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት’ታ ሃገር ከካዪዶ ዝጸንሐ ‘ዑደት ሰላም’ ኣቋሪጹ ከምዝተመልሰ ካብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዝምድናን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምዕባለን ኣብ ምምጻእ ዝህልዎ ተራ እወታዊ’ኳ እንተኾነ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎን ዝበዝሕ ስምምዓት ካብ ህዝቢ ዝተኸወለን ብምዃኑ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0