ሬክ ማሻር ምክትል ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ጁባ ክምለስ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ

ሬክ ማሻር ምክትል ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ጁባ ክምለስ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena: 22 September 2015

Riek Ma

ተቓዋሚ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ናይ ቀደም ስልጣኑ ክምለስ ትጽቢት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ሬኽ ማሻር ኣቐዲሙ ናብ ዝነበሮ ናይ ምክትል ፕረዚደንት ጽፍሒ ንምርካብ ናብ ከተማ ጁባ ክምለስ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ሑሰን ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ዘቕረበሉ ዕድመ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምብጻሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ኣብ ካርቱም ተቐቢሉ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ዓሙቕ ምምይጥ ድሕሪ ምክያድ’ዩ ንሬክ ማሻር ናብ ካርቱም ክበጽሕ ዕድመ ዘቕረበሉ።

 

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ድሕሪ 10 ዓመታት’ዩ ንመጀመርያ እዋኑ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርቱም በጺሑ።

መራሕቲ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ድሕሪ ናይ ካርቱም ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ኢጋድ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብር ብምርግጋጽ፣ ዝተኸተሙ ውዕላት ንምትግባር ምድላዋት እንተተጌሩ ናብ ጁባ ክምለስ ቅሩብ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤም ወገናት ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ክግበር’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብኢጋንድ ካልኦት ሓይልታትን ተደፋፊኡ ምስ ሬክ ማሻር ንዝተኸተሞ ስምምዕ ዕጉብ ከምዘይኮነ ዝግለጽ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ነውዮርክ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምምይያጥ’ዩ ካብ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ዕድመ ቀሪቡሉ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍን ኣብ ክንድኡ ምክትሉ ናብ ኒውዮርክ ከምርሕ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን ሓቢሩ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0