መራሒ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክናዋሕ ጸዊዑ

Radio Erena: 01 November 2019

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንዘርእዮ ዘሎ ምድንጓያት ብምንቃፍ ምቓም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ካብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ጸዊዑ።

ኣፈኛ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሬክ ማቻር ኣብቲ ን12 ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ምቋም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከምዘይርከብ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኩለን ፖለቲካውይን ሰልፍታት ከምዝሳተፋ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ’ቲ ብኣፈኛ ሬክ ማቻር ዝተዋህበ መግለጺ ብዝምልከት ግና ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

ቀጥታዊ ርክባቶም ብተደጋጋሚ ክሰናኸል ዝጸንሐ ክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ብኣካል ድሕሪ ምዝታዮም፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።

ኣብ 12 ሕዳር ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክቐውም እንተዘይክእሉ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ከምእተንብር ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ኣላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0