መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዝርከቦም 15 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ረሺኑ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዝርከቦም 15 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ረሺኑ

Radio Erena: 14 May 2015

Nort

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዝርከቦም 15 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ከምዝረሸነ ተገሊጹ።

እቲ መራሒ፣ ንሚኒስተር ምክልኻል ህዮን ዮንግ ቾል ዝረሸነሉ ምኽንያት ኣብ ኣኼባ ስለዝደቀሰ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝለሓዅ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ካብ 2010 ኣትሒዙ ሚኒስተር ምክልኻል ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዘገልገለ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፣ ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ብጸረ ነፈርቲ ከምዝተረሸነ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ይጠቕሱ።

 

ብውሕዱ ክልተ ካብዞም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተረሸኑ 15 ሰበ ስልጣን ሰሜን ኮርያ፣ ንመራሒ እታ ሃገር ብምንቃፎም ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ኪም ጆንግ ኡን ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ስልጣን ካብ ዝተረከበሉ እዋን፣ መብዛሕቶም እቶም ምስ ኣቡኡ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ናብ ማእሰርቲ ክዳጉኖም እንከሎ፣ ዝተረሸኑ’ውን ከምዘለዉ ጸብጻብ ቢቢሲ የረድእ።ኣብ

ኣብ ታሕሳስ 2013’ውን ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣኩኡ ንመራሒ እታ ሃገር ኪም ሶንግ ኡን፣ ብኽድዓት ተኸሲሱ ብኡ ንብኡ ከምዝተረሸነ ይዝከር።

ወዲ 32 ዓመት ኪም ጆንግ ኡን፣ ከም ናቱ ስም ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ስማቶም ክቕይሩን ብሕጂ ዝውለዱ ቆልዑ’ውን ከም ናቱ ስም ከይወሃቦምን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ትእዛዝ ምምሕልላፉ ኣይርሳዕን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0