መራሒ ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ምስ ዝምሃሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ተማህሮ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 01 November 2019

ወራሲ ዓራት ኣቡ ዳቢን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሕቡራት ኢማራትን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ፣ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢማራት ንዝመሃሮ ኤርትራውያንንን ኢትዮጵያውያንን ኣዘራሪቡ።

ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቲ መራሒ፣ ነቶም ተማሃሮ፣ ብ28 ጥቅምቲ፣ ኣብ ቤት መንግስቲ ባርዛ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ኢማራት መሃዝነት፣ ፈጠራ፣ ምብልሓትን ናይ ምምራሕ ክእለትን ዝንባለ ንዘለዎም ተማሃሮ ዕድላት ምሃብ ከምእትቕጽሎ ኣረጋጊጹ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ራኢ ዘለዎም ተማሃሮ ዕድላት ትምህርትን ስልጠናን እትህቦ ዕድላት፣ ነቶም ተማሃሮ ሃገሮም ከማዕብሉ ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንናይ መጻኢ ምዕባለ ሃገራት ወሳኒ’ዩ ዝብል እምነነት ኣለኒ’ውን ኢሉ።

ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ መወዳእታ፣ ነቶም ኣስታት 20 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ተማሃሮ ኣተባቢዑ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢማራት ዓረብን’ውን ተረኺቦም ኒሮም።

ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርሲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእኩ ኣስታት 10ታት ኤርትራውያን፣ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ይርከቡ።

ኣቐዲሙ’ውን ካብ ሓይሊታት ኣየርን ባሕርን ናብዛ ሃገር ክስልጥኑ ዝተላእኩ 10ታት ካልኦት ኤርትራውያን፣ ዑቕባ ንምሕታት ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ኣይርሳዕን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    dawed gherense 4 years ago

    anything positive in Eritrea YOU LIKE TO ADD NEGATIVE POINTS.THE SO CALLED JOURNALIST.