ሕ.ኤ. ኣብ ሊብያ ናይ መጻረዪ መዓስከር ክኸፍት ንዘቕረቦ እማመ፣ ሊብያ ነጺጋቶ

ሕ.ኤ. ኣብ ሊብያ ናይ መጻረዪ መዓስከር ክኸፍት ንዘቕረቦ እማመ፣ ሊብያ ነጺጋቶ

Radio Erena: 21 October 2018

sdetenatat in libyaሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኣብ ሊብያ ናይ መጻረዪ መዓስከር ክኸፍት ንዘቕረቦ እማመ፣ ሊብያ ነጺጋቶ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ ምስ ኣውስትራልያዊት ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዘቕረቦ እማመ፣ ንሊብያ ዝያዳ ጽዕነት ዝፈጥር ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር’ውን ዝያዳ ከጋድዶ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብጻውዒት ኢጣልያ ዝተኣከበ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምኽፋት መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝብል ውሳኔ ምብጽሑ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሊብያ ጥራይ ዘይኮነት ኩለን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ነዚ ሓሳብ’ዚ ነጺገናኦ’የን ክብል እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ እማመ’ዚ ዘቕርብ ዘሎ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ባሕሪ ሜዲተራንያን ቅድሚ ምስጋሮም ኣብ ሊብያ እንከለዉ ዑቕባ ክሓቱ፣ እቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ ብነፈርቲ ክጎዓዓዙ፣ እቶም ናይ ዑቕባ መሰል ዘይረኸቡ ከኣ ካብ ሊብያ ነናብ ሃገሮም ክፋነዉ ዝብል’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ መሓመድ ኣል ጣህር ሲያላ ምስ ‘ደ ፕረስ’ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ቱኒዝያ፣ ኣልጀሪያ፣ ሞሮኮን ሊብያን ነቲ እማመ ከምዝነጸገኦ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝቐረበ ሓሳብ’ውን ገለ ሃገራት ዜጋታተን ምቕባል ከምዝኣበያ ኣብሪሁ።

ሕብረት ኤውሮጳ ካልእ ኣማራጺታት ንምንዳይ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ለካቲት ንሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ወሽመጥን ዘጠቓለለ ዋዕላ ኣብ ግብጺ ከካዪድ መዲቡ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0