ሕ/ኤውሮጳ፣ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ንምህዳን ናብ ክሊ ማይ ሊብያ ክኣቱ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 03 February 2017

Libya Navy

ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ክሊ ማያት ሊብያ፣ ስደተኛታት ንዘበግሱ ኣሰጋገርቲ ክሃድና ክፍቀደለን ተኽእሎ ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ብ’ፕረዚደንታዊ ባይቶ’ ዝፍለጥ፣ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ፋየዝ ኣልሲራጂ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኔቶ ወይ ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተዋፈሩ ሰባት ንምህዳን፣ ናብ ክሊ ማያት ሊብያ ክኣቱ ከምዝኽእል ምርግጋጹ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተዋፈሩ ሚሊሻ ሊብያ፣ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋፊሮም ኣለዉ ዝብል ክሲ ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ኢጣልያ፣ ጀርመንን ፈረንሳን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሊብያ ዕቱብ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለወን ይፍለጥ።

ንዝበዝሑ እቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ተጸሚዳ እትርከብ ኢጣልያ፣ ነቲ ዓቕላ ኣጽቢቡላ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ብቀረባ ንምክትታሉን ንምግታኡን፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ጠራብሎስ ኤምባሲ ክትከፍት ተገዲዳ’ያ።

ኢጣልያ በዚ ደው ከይበለት፣ ምስተን ኣውራ መናሃርያ ስደተኛታት ኮይነን ዘለዋ ምስ ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዝተፈላለየ ስምምዓት ኣብ ምኽታም’ያ ትርከብ።

ኢጣልያ ከም ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት፣ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ንምህዳን’ውን፣ ኣብ ሊብያ ወትሃደራዊ ስርሒታት ንምክያድ’ያ ትውጥን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0