ሕ/ኢ/ዓረብ፣ ንጀነራል ሓፍታር ንምድጋፍ ናብ ሊብያ እትልእኮ ዘላ ኣጽዋር፣ ንዓሰብ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመሉ ከምዘላ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 January 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንጀነራል ሓፍታር ንምድጋፍ፣ ብነፈርቲ ናብ ሊብያ እትልኮ ዘላ ኣጽዋር፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመሉ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ከባቦ ኣቡዳቢ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣልዛፍራ ዝተበገሳ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ኣብ ዓሰብ ድሕሪ ምዕራፈን፣ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ተኸቲለን፣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ከምዝኣትዋን፣ ካብኡ ድማ ናብ ሊብያ ከምዝሰርግራን እቲ ምንጪ ይጠቕስ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጺ፣ ኣንጻር’ቲ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎ ብፈይዝ ኣል ሲራጅ ዝምራሕ ወግዓዊ መንግስቲ ሊብያ ንዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ክድግፋ እንከለዋ፣ ቱርኪን ቀጠርን ድማ ነቲ መንግስቲ ከምዝሕግዛ ይፍለጥ።

ቱርኪ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ንመንግስቲ ሊብያ ንምድጋፍ ናብታ ሃገር ሰራዊታ ከምትእልኽ ብወግዒ ገሊጻ’ያ።

ሶርያ’ውን ደጋፊኦት መንግስቲ ሊብያ ምዃና’ዩ ዝንገር።

ሱዳን ብኣንጻሩ፣ ንጀነራል ሓፍታር ከእትድግፍን፣ እዋናዊ ምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ብዘሎ ጀነራል ሓምዳን ዳግሎ ዝእዘዝ ፍሉይ ሰራዊት ናብታ ሃገር ከምዘዋፈረትን ይጥቐስ’ዩ።

ኣብ የመን ዘካየድኦ ኵናት ዓወት ክሰልጠን ዘይክኣለ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንኤርትራ ከም መደበር ሎጂስቲክን መናሃርያ ህጹጽ ስርሒታትን ክጥቀማላ ጸኒሐን’የን።

ብፍላይ ኢማራት፣ ንወደብን መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብን ብስሩዕ ንወትሃደራዊ መዓላታት ትግልገለሉ ከምዘላ ዝተረጋገጸ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ሊብያ ኣንጻር መንግስቲ ንዝካየድ ኵናት ንእትልእኮ ድጋፍ፣ ዓሰብ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመላ ከምዘላ’ዩ ተቓሊዑ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣንቢሩ እኳ እንተሎ፣ ንዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝድግፋ ሓያሎ ሃገራት፣ ይጥሕስኦ ምህላወን ይሕበር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0