ሕ/ኢ ዓረብ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ንምውናን ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 January 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ብክራይ ንምውናኑ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ኣቃሊዖም።

እታ ሃገር፣ ብዱባይ ብዝውነን ትካል DP world ኣቢላ ንወደብ ፖርት ሱዳን ንምምሕዳሩ ብኣመሪካን ካልኦት መሻርኽትን ኣብ ልዕሊ’ታ ብቁጠባ ተሃስያ ዘላ ሱዳን ጸቕጢ ትገብር ከምዘላ’ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ምቕማጣ ዝዝከር’ዩ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ቁጠባዊ ኵነታት ንምግምጋምን ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ብዝምልከት ንምዝርራብ ብሚኒስተር ዴታ ጉዳያት ወጻኢ ኣንዋር ጋርጋሽ ዝምራሕ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ካርቱም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

DP world፣ ንወደብ ጂቡቲ ን20 ዓመታት ንምምሕዳር ኣቐዲሙ ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ክረዳድእ ብዘይምኽኣሉ፣ ተሰሪዙ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ንወደብ በርበራ ንምውናን ምስ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ስምምዕ ምኽታማ ኣይርሳዕን።

እታ ሃገር፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ወደባት ኣብ ትሕቲ ዓብላልነታ ንምእታው ትሰርሕ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0