ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ከይልግስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ጥርዓን የቕርቡ

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ከይልግስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ጥርዓን የቕርቡ

Radio Erena: 02 April 2015

EUIsu

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ካብ ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ተጣበቕቲ ደሞክራሲን ተቃውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

ኾሚሽነር እቲ ሕብረት ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምዕባለን ነቨን ምሚካ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሮይተስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ከበርክ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ እዚ ተቓውሞታት ዝውሕዝ ዘሎ።

 

እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ ካብ 2007 ክሳብ 2013 ንዝጸንሕ መዳባት 122 ሚልዮን ዩሮ ተመሳሳሊ ሓገዝ ሂቡ ከምዝነበረ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ብሕጂ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ሓገዝ ድማ ኣብ ጸዓትን ካልእ ናይ ልምዓት ጽላታትን ክውዕል ምዃኑ እቲ ኮሚሽነር ናይቲ ሕበርት ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ተጣበቕቲ ደሞክራስን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ቅድሚ ምብርካት፣ ንጽገናዊ ለውጥን ደሞክራስን ዘለዎ ቅርቡነት ምምርማር ከድሊ ኣለዎ በሃልቲ’ዮም።

ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ክነሱ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይክኣል’ዩ ንዝብል እምነት እቲ ሕብረት’ውን ነቒፎም።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ተጣበቀቲ ደሞክራስን ነዚ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ተቓውሞ ብመልክዕ ጥርዓን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምልኣኩ’ውን ካብ ህዝቢ ክታም ኣብ ምእካብ ተዋፊሮም ኣለዉ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0