ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግታእ፣ ሓድሽ መቆጻጸሪ መርበብ ተኺሉ

Radio Erena: 09 July 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግታእ፣ ሓድሽ መቆጻጸሪ መርበብ ተኺሉ።

እቲ ኣብ ቱኒዝያ ተተኺሉ ዘሎ ዘበናዊ መሳርሒታት መቆጻጸሪ ዶባት፣ ብሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ክካየድ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሊብያ ተመሳሳሊ መሳርሒታት ተተኺሉ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ክካየድ ጸኒሑ’ዩ። እንተኾነ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝህቅኑ ኣብ ዝሕዘሉ እዋን፣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ብምእሳር ኣደዳ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ገይሩዎም’ዩ።

እዚ ኣብ ቱኒዝያ ዝትከል ዘሎ ዶባት መቆጻጸሪ መሳርሒ እውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓላ ክውዕል’ዩ ብምባል ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት ነዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መደብ ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ስዊዘርላንድ ኣብዚ ፕሮጀክት’ዚ ገንዘብ ብምውጻእ ክትሳተፍ እንከላ፣ ጀርመን ከኣ ብዘይካ’ቲ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና፣ ዓመታዊ ናይ 210 ሽሕ ዩሮ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከምኡ’ውን ንሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ስልጠና ኣብ ምሃብ ትሳተፍ ኣላ።

እዚ ሓድሽ ዝትከል ዘሎ ዶባት መቆጻጸሪ መሳርሒታት፣ ካብ ሳተላይት ዝርከብ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ብምዝርዛር፣ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ገና ክብገሱ እንከለዉ ሓበሬታ ዝህብ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0