ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ምምቅራሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ’ዩ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ምምቅራሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena : 10 July 2015

EUinter

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ምምቕራሕ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብዝምልከት ዘትዮም።

እቶም ሚኒስተራት ትማሊ ሓሙስ 9 ሓምለ ኣብ ሉክሰንበርግ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብዛዕባ’ቲ ዛጊት ከሰማምዖም ዘይክኣለ ምቕረሐ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ርእሲ ምዝታይ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝግተኣሉ ሜላታት’ውን ተመያይጦም።

ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክበጽሑ’ውን ተሰማሚዖም።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣውርሕ ጥራይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያን ግሪኽን ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዞም ስደተኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምጥያሶም መደብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ ፈረንሳን ጀርመንን ንነፍሲ ወከፍን ዝተመደበ ናይ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ብዝሒ ክቕበልኦ ብዘይምኽኣለን፣ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓሸ ኣማራጺ ንምንዳዮም ኣብ ሉክሰንበርግ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ዘካይዱ ዘለዉ።

ነዞም ብማእከላይ ባሕሪ እንሰገሩ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ስደተኛታት ናብ 28 ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ንምምቕርሖም ውጥን እኳ እንተነበረ፣ ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ደንማክርክን ግና ካብዚ ናይ ምምቕራሕ መደብ ውጹኣት ምዃነን ኣቐዲመን ኣፍሊጠ’የን።

ብሉጋርያን ሃንጋርን ድማ ብሰንኪ ዘለወን ቁጠባዊ ጸገማትን ውሽጣዊ ስደተ ዜጋታተንን ካብዚ ናይ ምምቕራሕ መደብ ከምዝተኣልያ ተሓቢሩ።

ጀርመንን ፈረንሳን ዋላ’ኳ ኣቐዲሙ ንዝተመደበለን ብዝሒ እንተነጸጋ፣ ሕጂ’ውን እተን ዝበዝሐ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ምዃነን ይንገር።

ሃገራም ምብራቕ ኤውሮጳ ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ክመቓርሓ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ዝሃበራ ማዕከናት ዜና ካብ ሉክሰንበርግ ድማ ቸክ ሪፖብሊክ ጥራይ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ንምቕባል ድልውቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።

ብቁጽሪ ስደተኛታት ሶርያን ኤርትራን ዝልዓለ ደረጃ ክሕዛ እንከለዋ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦት’ውን ብብዝሒ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝስደዱ ዘለዉ’ዮም።

ብፍላይ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ምስ ምህላዎም፣ ንብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ኣጋኒንዎ ይርከብ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0