ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሂቡ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሂቡ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሊዑ።

ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ሕብረት ኤውሮጳ ነቨን ሚሚምካ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ እዩ፣ እቲ ሕብረት ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝህሉ ንግዳዊ ምልውዋጥን ምንቅስቓስ ሰብን ኣሳልጦ ንምግባር፣ እቲ መስመራት ክጽገን ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክገብር ከምዝወሰነ የፍልጥ።

ኮሚሽነር ሚሚካ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለና ደገፍ ኣቐዲምና ምግላጽና ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸተመ ሰላም ንምድልዳል፣ ንጡፍ ኣገልግሎት ዝህብ መስመራት ክዝርጋሕ ኣገዳሲ ስለዝኾነ’ዩ ነዚ ሓገዝ ክንህብ ተደሪኽና ኢሉ።

ብመሰረት መግለጺ’ቲ ኮሚሽነር፣ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ተለጊሱ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ብመንገዲ ማዕከን ረዲኤት ሕብረት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ኣቢሉ ብቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝመሓደር የፍልጥ።

እዚ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ ናይ ምሕዳስ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ናይ መጀመሪያ እብረ ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናብ ዝለዓለ ደረጃታት ሓገዝ ክብ ክብል ምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ የመልክት።

እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ጽምዶ ንዘተ ኣእቲኻ፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ’ውን ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ለውጥታት ንምትእትታው ናይ መጀመሪያ ደረጃ’ዩ፣ ክብል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0