ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኢጋድ 67 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ለጊሱ

Radio Erena: 22 June 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሃገራት ኢጋድ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ዝገብርኦ ንዘለዋ ጻዕሪ ንምድጋፍ 67.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ፣ ንለበዳ እቲ ሕማም ብዝያዳ ዝተቓልዑ ወገናት ብፍላይ ንስደተኛታትን ካብ ንመነባብርኦም ዝተመዛበሉን፣ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ናውቲ ሕክምናን ጽሬትን ክውዕል ምዃኑ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝወጸ መግለጺ እቲ ሕብረት ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 430 ሽሕ ዜጋታት እቲ ዞባ ህጹጽ ሓገዝ ክግበረሎም’ዩ። ን570 ሽሕ ሰባት ድማ ናይ ጽሬት ናውቲ ክቕረበሎም ምዃኑ ኮሚሽነር ምትሕግጋዝ ሕብረት ኤውሮጳ ጁታ ኡርፒልያን ገሊጻ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ፣ ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝለገሶ ሓገዝ ብምምስጋን፣ ኣብቲ ዞባ ንዝካየድ ዘሎ መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘሐይል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኤርትራ ገና ንጥፍቲ ኣባል ኢጋድ ኣይኮነትን ዘላ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣቐዲሙ ንኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ 110 ሚልዮን ዶላር፣ ድሒሩ ድማ ንኢትዮጵያ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ተመሳሳሊ ሓገዝ ኣበርኪቱ’ዩ።

እቲ ሕብረት፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነዚ ለበዳ ንምምካት ሓገዝ ክግበረሉ ብወግዒ ከምዝሓተቶ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ መልሲ ናይቲ ሕብረት ዛጊት ብንጹር ኣይተጠቕሰን።

እቲ ሕብረት፣ ንመህነጺ ጽርግያ ዝኸውን፣ ንኤርትራ መዲብዎ ዝነበረ ናይ 30 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ብምስራዝ ንሱዳን ክህባ ከምዝወሰነ’ውን ኣፍሊጡ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0