ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተርእዮ ዘላ ዓሌት ዝሰረቱ ምፍልላይ ደው ከተብል ጸዊዑ

Radio Erena: 01 March 2022


ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተርእዮ ዘላ ዓሌት ዝሰረቱ ምፍልላይ ደው ከተብል ጸዊዑ።

እቲ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምስ ጀመረ፣ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ክወጹ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ርኡይ ዓሌትነት የጋጥሞም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ እዋን ቅልውላው፣ ዝኾነ ሰብ ዓሌቱ ብዘየገድስ፣ ካብቲ ንህይወቱ ዘስግኦ ቦታ ክወጽእ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ’ዩ ብምባል ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ዶብ ዝርከቡ ዩክረይናውያን ወተሃደራት፣ ሕብሪ ቆርበት እንዳረኣዩ ሰብ የስግሩ ምህላዎም ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣመልኪቱ።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ መሃማት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ዩክረይን ናይ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ኩነታት ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ፣ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ካብ ዩክረይን ከይወጹ ተዓጊቶም ጥራይ ከይኣክል፣ መጎዓዝያ ከይጥቀሙ’ውን ብሰራዊት ዩክረይን ይኽልከሉ ምህላዎም ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣፍሪቃውያን፣ ብዓሌት ዝሰረቱ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክውጽዑ ሱቕ ኢልና ኣይንዕዘብን ዝብል ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዩክረይን ከምቲ ንጸዓዱ ወጻእተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ትሕግዝ ዘላ፣ ተመሳሳሊ ረዲኤት ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እውን ክትህብን፣ ንኣህጉራዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብርን ይጽውዕ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0