ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበናት ዘጻርይ ኮሚሽን ምቛሙ፣ መ. ኢትዮጵያ ነጺጉዎ

Radio Erena: 20 June 2021

ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ንኽጻረይ ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ሓይሊ ምቛሙ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዕለት 17 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ መርማሪት ኮሚሽን ከቕውም በይናዊ ውሳነ ምውሳዱ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘጉሃዮ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበናት ንምምርማር፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሕ ቅሩብ ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር።
እንተኾነ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይጸምበረ ፍልይቲ ኮሚሽን ከቕውም ወሲኑ። ናይ ፈለማ ርክብ’ታ ኮሚሽን ኣብ ጋምቢያ ከተማ ባንጁል ክኸውን፣ ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብምዝውዋር መርመራኣ ከተካዪድ ምዃና ተገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ውሳኔ ኣንጻር ዝቖመሉ ዕላማ ስለዝኾነ፣ ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ኣለዎ ብምባሉ፣ እቲ ዝካየድ መርመራ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከመይ ክካየድ እዩ ንዝብል ሕቶ፣ ገና ምላሽ ከምዘይረኸበ፣ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0