ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተፈጥረ ሓድሽ ምስሕሓብ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተፈጥረ ሓድሽ ምስሕሓብ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

Radio Erena: 17 June 2017

AU

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ምስሕሓብ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ኩነታት ኤርትራን ጅቡቲን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ክልቲኤን ሃገራት ክኣህድኣን ግጭት ክገትኣን ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነዚ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ፣ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ካብቲ ንኤርትራን ጅቡቲን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ከባቢታት ራስ ዱሜራ ከምዝሰሓበ ድሕሪ ምሕሩ፣ ጅቡቲ እቲ ቦታ ብሰራዊት ኤርትራ ተታሒዙ እናበለት ኣብ እትኸሰሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ጅቡቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ዘርጊሓቶ ዘላ ክሲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ባይቶ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ ኣላ።

ኤርትራ ብወገና፣ እቲ ሓቂ ምስተነጸረ ሓበሬታ ክትህብ ምዃና ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ካልእ ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ የለን። 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ እዚ ናይ ጅቡቲ ጥርዓን ብዝምልከት ንሰኑይ 19 ሰነ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፣ ኢጋድ ግና እኹል መጽናዕቲ ከየቕረበ ንኤርትራ’ዩ ኮኒኑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ብወገኑ ምስ ቀዋሚ ወኪል ጅቡቲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምርኻብ፣ ናብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ተዓዛቢ ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀጠር፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ተዋፊሩ ዝነበረ ኣስታት 450 ብዝሒ ዝነበሮ ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብቲ ዶብ ሓድሽ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ክሕብሩ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ደጊሙ ግጭት ከይጎሃሃር ዘስግኣ ግብጺ፣ ነቲ ዝሰሓበ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ብምትካእ ሰራዊታ ክትልእኽ ከምእትኽል ንክልቲኤን ሃገራት ከምዝሓበረትን ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0