ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕብ’ዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕብ’ዩ

Radio Erena: 10 November 2017

AU peacekeepers

ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሶማል ክስሕብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሶማል ፍራንሲስኮ ማደይራ ብ8 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሶማል ኩነታት እናተጸንዐን ብዘገምታን ክካየድ ምኻኑ ኣረጋጊጹ።

ሃገራዊ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ዝሰሓበ ክፋል ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክትክኦ ምዃኑ ይግለጽ።

 

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ከምዝስሕብ ዝገልጽ ዘሎ፣ ብታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዝተሰነየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ቅንያት ዶብ ሰጊሩ ናብ ሶማል ከምዝኣተወ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ሶማል መብዛሕትኡ ካብ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተዋጽአ ኣስታት 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሶማል ጠቕሊሉ ክወጽእ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ነዚ ንምትግባር፣ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሶማል ናይ ምስልጣን ዝተፈላለየ መደባት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0