ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ግብጺ 6.2 ቢልዮን ዶላር ኣውፊራ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ግብጺ 6.2 ቢልዮን ዶላር ኣውፊራ

Radio Erena: 09 Januray 2018

Egypt UAE

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ግብጺ ናይ 6.2 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዋ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ግብጺ ጣረቕ ካቢል ሓቢሩ።

ንሱ ንማዕከንዝ ኤና ኣራብያን ቢዝነስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ግብጺ እታ ዝገዘፈ ወፍሪ ዘለዋ ሃገር ምዃና ብምግንዛብ፣ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ወፍሪ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ፍርያትን ምኽእ`ኑ ኣስሚርሉ።

ግብጺ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እትልእኮ ሰድድ 1.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ዘመልከተ እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ወፍርን ንግድን ካብዚ ዘለዎ ንምዕባዩ መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ዱባይ ወፍሪ ነቲ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ቁጠባ ግብጺ ከምዘበራበረ’ዩ ዝሕብር።

ዝምድና ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብ ቀጠርን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ’ዩ እናዓበየ ዝመእ ዘሎ።

ሕቡራት ኢማራር ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብእትገብሮ ዘላ ወትሃደራውን ቁጠባውን ጽልዋታት፣ ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ ምትፍናን ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0