ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምኻና ካብ ከተማ ሞቓድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምኻና ካብ ከተማ ሞቓድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ

Radio Erena: 16 March 2018

somaliland

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምኻና ካብ ከተማ ሞቓድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ

ኣምሳያ ናይቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ በርበራ ክትሃንጾ መዲባ ዘላ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ንሓይልታት ጸጥታ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክትህብ ምኻና ተገሊጹ

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሶማሊላንድ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ሉኣላዊት ሃገር ክትከውን ዘለዎ ድሌት ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓያል ዓቕሚ ሰራዊት ምህናጽ ንዓና ኣገዳሲ እዩ ኢሉ

ካብ ሰበስልጣን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግና ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን

እዚ ኢማራት እትሃንጾ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ን30 ዓመታት ክትቆጻጸሮ ዘኽእላ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ምፍራማ፡ ኣብ ከባቢ የመን ምህላዉ ዝያዳ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ክብሉ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልጹ

ብውግእ ሓድሕድ ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ ሓያሎ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስኬር ይኸውን ብምህላዉ፡ ናይ ውክልና ዓውደ ኩናት ከይከውን ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ስግኣቶም ይገልጹ

ዛጊት ናይ ቱርኪ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይርከብ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0