ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ክትከፍት ምዃና ኣተንቢሃ

Radio Erena: 25 January 2021

 

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ ኤምባሲ ክትከፍት ምዃና ኣሚታ።

እታ ሃገር ነዚ ዝኣመተት፣ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ብሰንበት 24 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ምሉእ ደገፍ ከምዝሃበ ብምጥቃስ’ያ።

መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ንምቛም፣ ካቢነ ሚኒስተራት ምሉእ ደገፍ ሂብሉ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2020፣ ፈላሚ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ድሕሪ ምጅማረን፣ ርክባተን ብቁጠባ፣ ንግዲን ቱሪዝምን ንምዕባዩ ይሰርሓ ከምዘለዋ’ውን ክገልጻ ጸኒሐን።

ካብን ናብን ክልቲኤን ሃገራት ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣማኢት እስራኤላውያን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ታሪኻዊ ምብጻሕ ንምክያድ ከምዝተጓዕዙ ይዝከር።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ቆንስላዊን ዲፕሎማስያውን ርክባት ንምሕያል ድማ፣ ኤምባሲታት ንምኽፋት ተበግሶታት ይወስዳ ምህላወን ክጥቀስ ጸኒሑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0