ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዘስልጠነቶም ሚሊሻ የመን ናብ ደሴት ሶኮትራ ተዋፍር ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 September 2019

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ የመን፣ ናብ ደሴት ሰኮትራ ተዋፍሮም ከምዘላ ተገሊጹ።

ሶኮትራ ፖስት፣ ንስለያዊ ምንጭታት እታ ደሴት ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ደሴት፣ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከይዓልባ ካብ 9 መስከረም ኣትሒዙ ከልኪሉ ኣሎ።

እቲ ምኽንያት፣ ኣብ ኤርትራ ንዝሰልጠኑ ሚሊሻ የመን ናብታ ደሴት ከይዋፈሩ ምዃኑ’ውን እቲ ምንጪ ይጠቅስ።

ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ሶኮትራ፣ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ዓደንን ባሕሪ ዓረብን እትርከብ፣ ብደረጃ ኣህጉር ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ናይ የመን ዝዓበየት ደሴት’ያ።

ንከተማ ዓደን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሚሊሻ የመን፣ ነታ ደሴት’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንምእታው ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ካብ ዝርከብ ዕድርታት፣ ሰራዊታ እኳ እንተሰሓበት፣ እትድግፎም ሚሊሻታት የመን፣ ንከተማ ዓደንን ካልእ ኣገደስቲ ከባቢታትን ክቖጻጸርዎ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሚሊሻታት፣ ንከተማ ዓደንን ካልእ ቦታታትን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ’ዩ ዝግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Thank you

  • comment-avatar
    wedinakfa 5 years ago

    The dogs bark the camel marches stridently.