ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብሓደጋ ዕልቕልቕ ንዝተሃስየ ህዝቢ ሱዳን ንምርዳእ 100 ቶን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ለጊሳ

Radio Erena: 07 September 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብሓደጋ ዕልቕልቕ፣ ካብ መነባብርኡ ንዝተመዛበለ ህዝቢ ሱዳን ንምርዳእ 100 ቶን ዝግመት ዝተፈላለየ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ምልኣኻ ኣፍሊጣ።

እቲ ሓገዝ፣ ብትእዛዝ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት፣ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናያህን ዝተላእከ ኮይኑ፣ ሕቡራት ኢማራት ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ተደጋጋፊን ተደናጋጺን መርገጺ ንምጉላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ብዝወርድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዕልቕልቕ ብምፍጣሩ፣ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ከጥፍእ እንከሎ፣ ኣስታት 600 ሽሕ ካብ መነባብርኡ ኣመዛቢሉ።

በቲ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ኣብ 16 ዞባታት ኣስታት 100 ሽሕ ኣባይቲ ፈሪሱ፣ ዛጊት ቁጽረን ዘይተገመተ ከብቲ፣ ጤሌ በጊዕን ኣግማልን ብውሕጅ ተወሲደን።

እቲ ዕልቕልቕ ኣብ ገለ ከባቢታት ክሳብ 1.7 ሜትሮ ብራኸ’ዩ በጺሑ።

ብሰንኩ፣ ናይ ሰለሰተ ኣዋርሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ዘላ ሱዳን፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ሓገዝ ትሓትት ኣላ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0