ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ተዋፍር ምህላዋ ጋረወ ገሊጹ

Radio Erena: 18 November 2022

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊት ናብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ተዋፍር ምህላዋ መርበብ ሓበሬታ ጋረወ ገሊጹ።

እቲ መርበብ፣ ስሞም ንዘይገለጾም ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ድሩዓት መካይን ዝርክቦ ኣጽዋርን ወትሃደራትን ዝጸዓና 12 ነፈርቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሳሶ ከምዝዓለባ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ 250 RG -33 ዝዓይነተን፣ ነታጕ ዝጻወራ ድሩዓት ብዝተሰነዩ፣ ኣስታት 180 ወትሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ቦሳሶ ኣብ ዝርከብ መዓስከር መርኪዞም ኣለዉ።

ዒላማ ምውፋር ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብታ ርእሰ ምምሕዳር ዛጊት ኣይተነጸረን።

ፈደረላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብዛዕባ ምውፋር እቲ ሰራዊት ኣፍልጦ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘየሎ ጋርወ ንምንጭታቱ ብውካስ ኣንፊቱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ሻሕካር ዝምድና ከምዝነበራ ይፍለጥ።

እታ ዓረባዊ ሃገር፣ ንኣባላት ፖሊስን ሓለዋ ገማግም ባሕሪን ናይቲ፣ ኣንጻሩ ፋርማጆ ዝኾነ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ዓብዱላሂ ደኒ ተሰልጥን ምንባራ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ደኒ፣ ዘመነ ስልጣኑ ዘብቅዓሉ ግዜ እናተቐረበ ይመጽእ ምስ ምህላው፣ ምውፋር ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብታ ርእሰ ምምሕዳር ተወሳኺ ምፍሕፋሕ ከስዕብ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0