ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ድሕሪ 26 ዓመታት፤ ንፈለማ እዋን ኣብ ሱዳን ሓድሽ ኣምባሳደር መዚዛ

Radio Erena: 02 September 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ድሕሪ 26 ዓመታት፤ ንፈለማ እዋን ኣብ ሱዳን ሓድሽ ኣምባሳደር መዚዛ።

ኣምባሳደር ጆን ጎድፍሪ፤ ብዕለት 1 መስከረም ወረቐት ስርሑ ንጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዘረከበሉ፤ ምስ መንግስትን ህዝብን ሱዳን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ ብጀነራል አልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንኽገብር፤ ሓገዙ ከበርክት ምዃኑ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ነቲ ኣምባሳደር ዝተቐበሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብወገኑ፤ ፖለቲካውያን ሓይልታት ድሉዋት ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ድሉው ኣለኹ ኢሉ።

ህዝቢ ሱዳን፤ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ ክትግበር ኣለዎ ዝብል ጆን ጎድፍሪ፤ ሕልሚ ናጽነት፤ ሰላምን ፍትሕን ተግባራዊ ክኸውን ክጽዕር እየ ኢሉ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፤ ብዕልዋ ስልጣን ምስ ሓዘ፤ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ፋይናንስን፤ ንሱዳን ክህብዎ ዝመደቡ ብቢልዮናት ዝግመት ፋይናንስያዊ ሓገዝ፤ ደው ኢሉ’ዩ ዘሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ኣመሪካ፤ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ርክብ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፤ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ምግባር ዘየዕረፈ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፤ ተኻሒድና ዝብል ድምጺ ከስምዕ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0