”ሕማም ኮሮና ንምምካት፣ ሆስፒታላት ሱዳን ሸለልትነት የርእያ ኣለዋ”፤ ሚኒስተር ጥዕና ሱዳን

Radio Erena: 15 March 2020

ኣብ መላእ ዓለም እንዳስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ንምምካት፣ ሆስፒታላት ሱዳን ሸለልትነት የርእያ ከምዘለዋ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጥዕና ሱዳን ኣክራም ዓሊ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ በቲ ቫይረስ ተለኺፈ ኣለኹ ዝበለ ሓደ ውልቀሰብ፣ እትቕበሎ ሆስፒታል ብምስኣኑ ንሞት ከምዝተቓለዐ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፣ ሆስፒታላት ዝግባእ ምድላው ኣይገበራን ክብል ዝኸስስ ዘሎ።
ኣብዚ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና፣ ቤት ትምህርታት፣ ዓበይቲ ኣኼባታት ይኹን ካልእ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ምዝንጋዓትን ደው ብምባል፣ ህዝቢ ክእከብ ከምዘይብሉ መጠንቀቕታታት ዝመሓላለፈሉ ዘሎ እዋን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስቲ ዘለወን ኩሉ ዓይነት ሕጽረታት ከቢድ ሃስያ ከየስዕበለን ብእዋኑ’ዩ ተሰጊኡ።
እንተኾነ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፣ ዛጊት ዝርጋሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሑት ደረጃ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ሳልስቲ እቲ ቫይረስ ከምዝኣተወን ብወግዒ ዘፍለጣ ወይ ድሒረን ዝተጸምበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን፣ ኬንያን እየን።
እቶም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦምን፣ ብጥርጣረ ዝተወሸቡን ሰባት፣ ኤውሮጳውያን ኮይኖም፣ ብስራሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝተንቀሳቐሱ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።
ቁጽሪ ናይቶም በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብደረጃ ዓለም ናብ 135 ሽሕ ክብ ክብል እንከሎ፣ ከባቢ 5 ሽሕ ከኣ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ሞይቶም፣ 70 ሽሕ ከኣ ግቡእ ሕክምና ተገይሩሎም ሓውዮም ከምዘለዉ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ዝገበሮም መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።
ገለ ምልክታት ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተጠቕዐ ሰብ፣ ክቱር ረስኒ፣ ምስዓልን ሕጽረት ምስትንፋስን ምዃኖም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0