ሓደ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ

ሓደ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ

Radio Erena : 01 May 2015

workers right

ሓደ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰልፍን ካልእ ንጥፈታትን ዝዝከር ደኣ ይኹን’ምበር፣ እዘን ሃገራት እተን ቀንዲ መሰል ሰራሕተኛታት ዘይክበረለን ሃገራት ምዃነን ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኣይክበርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ውሕስነት ስራሕ ንዝኣመሰል ማሕበራዊ ድሕነት ሰራሕተኛታት ግና ሕሉው ኣይኮነን።

 

እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ከኣ ከምቶም ካልኦት ኣካላት ህግደፍ፣ ንረብሓ መንግስቲ ዘገልግል ብምኳኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ናጻ ኣካል የለን።

ብዓቢኡ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ሰራሕተኛ ዳርጋ ብምሉኡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብውሑድ ክፍሊት ዝተታሕዘ’ዩ።

ብሰንኪ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት፣ ኣብ ዝመረጽዎን ዘድምዕሉን ሞያ ክሰርሑ ኣብ ኤርትራ ዝኾና ባይታ ከምዘይብሎም’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

መንእሰያት ኤርትራ ብሞያ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ድሕብነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ክነብሩ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ መዕገቲ ተሳኢንዎ ዘሎ ዋሕዚ ይርአ ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0