ሓደ ኣባል ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ስንክልና ንዘለዋ ኤርትራዊት ዓሚጹ

ሓደ ኣባል ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ስንክልና ንዘለዋ ኤርትራዊት ዓሚጹ

Radio Erena: 03 August 2015

Goluj

ሓደ ኣባል ናይቶም ኣብ ከባቢ ጎልጅ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ንሓንቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዝዓመጹ፣ ስድራቤት እታ መንእሰይ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እታ ሄለን ዳኒኤል ዝተባህለ ኤርትራዊት ናይ ዓይኒን እግርን ስንክልና ዘለዋ እኳ ኣንተኾነ፣ ፍቓዱ ዝተባህለ መራሕ መኪና ናይቶም ተቓወምቲ ‘ክማልኣኪ’ ኢሉ ሒዝዋ ድሕሪ ምኻዱ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ወሪዱዋ ኣብ ከባቢ ገርገፍ ተደርብያ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝተረኽበት፣ ሓዋ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

 

ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰት መንእሰይ ብ17 ሓምለ 2015 ፍቓዱ ብዝተባህለ መራሒ መኪና ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ከምዝተወስደትን ንጽባሕቲ ከኣ ኣብ ከባቢ ገርገር ተደርርብያ ከምዝተረኽበትን’ውን ሓያሎ ነበርቲ ጎልጅ ይጠቕሱ።

እታ ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ዝወረደ መንእሰይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተሰነይ ሕክምና ይግበረላ ምህላዉ ዝጠቀሰ ሓዋ፣ እቲ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብዛዕባ ምእታዉን ዘይምእታዉ ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ ኣረዲኡ።

====================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0