ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ 11 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 August 2022

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ደራሼ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ 11 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ፣ ንሰራሕተኛታት ሆስፒታል ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ክልል ብወገኖም፣ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ኣትሒዙ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ምስ ዕጡቓት ከምዝተኻየደ ብምሕባር፣ እቶም ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዘይኮኑ ኣመልኪቶም።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጊዶሌ ዝተባህለ ሆስፒታል፣ ሲቪል ዝተኸድኑ 7 ሬሳ ከምዝተቐበለን፣ ብከቢድ ቆሲሎም ዝመጹ ኣርባዕተ ድማ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ከምዝሞቱን ኣፍሊጡ።

ኣርባዕተ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት ደቂንስትዮ’የን።

ከም ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ደቡብ ‘ውን ምስ ብሄርን ዋንነት መሬትን ብዝተሓሓዘ ተደጋጋሚ ግጭታት ክኽሰት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብቲ ክልል፣ ንናጽነትን መሰል ርእሰ ውሳንነ ዝጠልቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ከምዝንቐሳቐሱ ይፍለጥ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ሶማል ንምዝታይ ናብ ከተማ ባይዶዋ ምእታዎም ተሓቢሩ።

ኣልሸባብ ዶባት ኢትዮጵያ እናጠሓሰ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድ ይርአ ስለዘሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት፣ ናብ ውሽጢ መሬት ሶማል ዝኣተወ ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውም ከምእትደሊ’ያ ተመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0