‘ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም።’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Radio Erena: 17 February 2022

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ በጺሖምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝጽብጸብ፣ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ16 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽ ደቂንስትዮን ዝኣመሰለ ብዙሕ ገበናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዝፈጸሙ’ዩ ወቒሱ።

14 ዝዕድምኦም ቆልዑ ከይተረፈ ግዳያት እዚ ብሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ብፍላይ ንጨናን ቆቦን፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ምስ ተቖጻጸርዎ፣ ኣብ ወርሓት ነሓሰን መስከረምን 2021፣ ብዙሕ ገበናት ከምዝፈጸሙ፣ ዝኣከቦ ሰነዳት ከምዘረጋግጽ’ዩ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘመልክት።

እቶም ሓይልታት፣ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ከም ሆስፒታልን ኣብያተ ትምህርቲን ዝኣመሰለ ትካላት ወሃቢ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፣ ከምዝዘረፉን ከምዘውዕነውን’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎ ኵናት ኢትዮጵያ፣ ብኹሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ገበናት ይፍጽም ከምዘሎ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኵናትን ከምዝተፈጸመ ዝምርምር ናጻ ኣህጉራዊ ትካል ናብቲ ኵናት ዝተኻየደሉ ከባቢታት ብምብጻሕ መጽናዕቲ ከካይድ ‘ውን ይድፍኣሉ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0