ሓይልታት ሑቲ፣ ‘ወትሃደራዊ ቀረባት ዝጸዓነት መርከብ’ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝሓዙ ገሊጾም

Radio Erena: 06 January 2022

ሓይልታት ሑቲ፣ ወትሃደራዊ ቀረባት ዝጸዓነት’ያ ዝበልዋ፣ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

እታ መርከብ፣ ብዘይፍቓድ ናይቲ ብሑቲ ዝቖመ መንግስቲ፣ ናብ ክሊ ማይ የመን፣ ገማግም ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተጸገዓትሉ፣ ሓይልታት ሑቲ ብፈጣናት ጀላቡ ኣኽቢቦም ከምዝሓዝዋ፣ ኣፈኛ እቶም ሓይልታት ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ገሊጹ።

እታ መርከብ፣ መድሃኒታት ዝርከቦ ናውቲ ሕክምናን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝጸዓነት ምንባራ ዝገለጻ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሑቲ ብጭውያ መራኽብ ከሲሰንኦ።

ሑቲ፣ ብመንገዲ መደበር ቴሌቪዥኑ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ እታ መርከብ፣ ወትሃደራውያን መካይን፣ ጠበናጁ ዝመልአ ኮንተይነራትን ካልእ ወትህደራዊ ቀረባት ዝጸዓነት ምንባራ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ሑቲ፣ ነታ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝሓዝዋ መርከብ፣ ብዝቐልጠፈ እንተዘይፈንዮማ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንቲ፣ ዘድሊ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ፣ ኣዛዚ ናይቲ ልፍንቲ፣ ብርጋደር ጀነራል፣ ቱርኪ ኣል ማሊኪ ኣጠንቂቑ።

ኤርትራ’ውን ዝተጸንበረቶ ልፍንቲ እዘን ሃገራት፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝወልዖኦ ኵናት፣ ንሑቲ ካብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዝዓበየት ናይ የመን ወደብ ሖደይዳ ክደፍኦ’ውን ኣይከኣለን።

እታ ወደብ፣ ኣብ ሽወደን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ካብ ኩሎም ሓይልታት ናጻ ኮይና፣ ብሕቡራት ሃገራት ብዝምራሕ፣ ናብ ህዝቢ የመን ዝቐንዐ ሰብኣዊ ሓገዛት መተሓላለፊ ክትከውን ክስርሓሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወትን።

ሑቲ፣ ንከተማ ሰንዓ ሓዊስካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ ፍርቂ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ይርከብ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0