ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ናብ የመን ዝተላእከ ኣስታት50 ቶን ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝሓዘ ገሊጹ

Radio Erena: 05 December 2022

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ናብ የመን ዝቐንዐ’ዩ ዝብሎ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ጠያይቲ፣ ሞርታራትን ሮኬታትን ዘጠቓለለ 50 ቶን ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝሓዘ ብ03 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ነታ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ዝሓዛ ጃልባ፣ ካብ ኢራን ናብ የመን ዝተላእከት ምዃኑ’ዩ ወቒሱ።

ንዝበዝሐ ሰሜናዊ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ናብ ዝርከብ ሑቲ፣ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣጽዋር ምልኣኽ፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተነብረ ውሳኔ 2216 ምጥሓስ’ዩ ክትብል ኣመሪካ ብተወሳኺ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዖማንን ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝርከብ፣ መበል 5ይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ናብ የመን ዝቐንዐት’ያ ዝበላ፣ ኣጽዋር ዝዓጸነት ጃልባ ክሕዝ፣ ኣብዚ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፣ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ካብ ኢራን ናብ የመን ዝተላእከ፣ ማእከላይ ርሕቐት ዝውንጨፍ 10ታት ሚሳይላት ከስርሕ ዝኽእል ኣስታት 70 ሽሕ ቶን ተባራዒ ባእታ፣ ብ08 ሕዳር ከምዝሓዘ ይዝከር።

ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ ኣብ መንጎ ሑቲን መንግስቲ የመንን ዝተኻየደ ኵናት፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ናብ ምቑራጽ ቶዅሲ ተበጺሑ እኳ እንተሎ፣ ብክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ዝጎደሎን ኣብ ሓደ ረፍዲ ዳግም ክጎሃሃር ዝኽእልን ምዃኑ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0