ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሬሳ ናይ 30 ስደተኛታት ረኺቡ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሬሳ ናይ 30 ስደተኛታት ረኺቡ

Radio Erena: 01 July, 2014

30 bodies

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ፣ ሬሳ ናይ 30 ሰባት ከምዝረኸበ ገሊጹ።

እታ ጃልባ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያ ድሕሪ ምጽግዓ፣ ኣብ ትሕቲኣ ኣብ ዘሎ ከፋት ቦታ ሬሳ ናይ 30 ሰባት ተደራሪቡ ከምዝጸንሖም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

እቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ዝተገልጹ ስደተኛታት፣ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ተጸቓቒጦም ስለዝመጹ፣ ኢጣልያ ጠንቂ ሞት እቶም 30 ስደተኛታት ሕጽረት ትንፋስ’ዩ ዝብል መደምደምታ ሂባትሉ ኣላ።

 

ዜግነት ናይቶም ድሕሪኖም ዘለዉ ኣስታት 600 ስደተኛታት ይኹን ናይቶም ብሰንኪ ህፅረት ትንፋስ ዝሞቱ 30 ሰባት ኣይተሓበረን።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ፍጽሜ ድማ 320 ኤርራውያን ዝጸዓነት ጃልባ ቅድሚ ሳልስቲ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብይ ተበጊሳ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ተጸጊዓ ኣላ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብዘ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓታልታት ጥራይ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ከምዘድሓነ ቢቢሲ ይጠቕስ።

ኣብዛ ዓመት እዚ ብድምር 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ጸብጻብ እታ ሃገር ድማ፣ ምስ ናይ ዓመት 2011 ክነጻጸር እንከሎ ብክልተ ዕጽፊ ይዛይድ።
==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0