ሓያሎ ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ኬንያ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 13 February 2023

ሓያሎ ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሎሚ 13 ለካቲት ኣብ ኬንያ፣ ዞባ ኢሶሎ ክፍልም’ዩ።

እቲ ብእዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ተወዲቡ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ፣ ክሳብ 23 ለካቲት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ብኬንያ ጀሚሩ፣ ናብ ሶማል፣ ጂቡቲን ኡጋንዳን ክቕጽል’ዩ።

ኣብቲ ልምምድ፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝተዋጽኡ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ፍሉይ ልምምድ ከካይዱ ምዃኖም እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ስልጠና ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝውክሉ መኮንናት’ውን ክህሉ’ዩ።

መኸተ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከምኡ ድማ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዝወሃብ ተልእኾታት ኣብ ምዕዋት ክሕግዝ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ርዋንዳን ቦትስዋናን ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ልምምድ፣ 20 ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን እኳ እንተተመልከተ፣ መነመን’የን ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ዘይትሳተፍ ኤርትራ፣ ካብዚ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓባራዊ ሰራዊት ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰርዖ ምትእኽኽብ ክትግለል’ያ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Hassen Mahamedini Saad Alhashimi 1 year ago

    Why is the so called human human rights whach need sanctin to be imposed on Eritrea with no any evidence? Shame on u.